Poster header: KeepItOn - Stories from Tigray

ዓፀቦ፣ ዓቕሊ ፅበትን ስቃይ: 15 ታሪኻት ከበባ ኢንተርነት ትግራይ

Read this article in English

ሓበሬታ ትሕዝቶ፦ እዚ ፀብፀብ እዚ ኣብ ውሽጡ ብዛዕባ ገበናት ውግእ፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ቅትለትን ሞትን ዝሓዘ እዩ ።

ተጋሩ ካብ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዝቆራረፁ ዳርጋ ክልተ ዓመት ማለት እውን 20 ኣዋርሕን ገይሩን ሕዚ እውን እናቐፀለን እዩ። ኲናት ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ተጋሩ ኣብ ፅዕፁዕ ዲጂታላዊ ፀልማት ኣትዮም፤ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፤ ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም፤ ህፁፅ ሕክምናን ሰብኣዊ ሓገዝን ናይ ምርካብ ዕድሎም ታዓጊቶም፤ ኢሉ እውን ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ሙሉእ ብሙሉእ ተነፂሎም ይርከቡ። ኣብ ዚ ፅሑፍ እዙይ ናይ ዝተወሰኑ ተጋሩ ታሪኽ ክናካፍለኩም ኢና። ናይዓለም ማሕበረሰብ ህፁፅ ስጕምቲ ንክወስድ ድምፅና ኣብ ምስማዕ ምሳና ንክትኾኑ ብትሕትና ንሓተኩም ።

ብኣብ ትግራይ ዘለው መሳርሕትና ኣቢልና ብስም ፕሮጀክት ዛንታት ምዕፃው መርበብ ሓበሬታ(Shutdown Stories project)ዝኣከብናዮም ዛንታታት ዘረድእዎ ሓደ ነገር እንተሃለወ ፦ ምዕፃው መርበብ ሓበሬታ ንደቂ ሰባት ብጣዕሚ ጎዳኢ ምዃኑ እዩ ። እዚ ተግባር እዚ ንዓመፅ የጋድዶ ፡ ፍርሕን ምድንጋርን ይዘርእ ፡ ከምኡ “ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ዝፍጸሙ ኣረሜናዊ ገበናት የጋድድ ። እዚ ከዓ ቅትለት: ፆታዊ ዓመፅ: ከምኡውን ፆታዊ መጥቃዕቲ የጠቓልል እዩ ።

እቲ ምዕፃው ነቶም ካብ መጥቃዕቲ ዝሓወዩ እውን ከይተረፈ ዓብዪ ፅልዋ ኣለዎ ። ሰባት ኣብ ዝተሰብረን ዝተበታተነን ኣገባብ ክንክን ጥዕና እኹል ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣይኽእሉን ። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብሩ ሰባት ፡ በቲ ልሙድ ዝዀነ መዓልታዊ ርክቦም ምስ ተቛረጹ ፡ ናብ ፈተውቶምን መሓዙቶምን ክበጽሑ ኣይኽእሉን እዮም ፣ ብስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መዳይ እውን ይሳቐዩ እዮም ። እቲ ዕፅዋ ባንክን ናይ ገንዘብ ዝውውር ስለዘካትት ንሰባት ንምሕጋዝ ገንዘብ ክልእኹ ኣይኽእሉን ። እዞም ፀገማት እዚኦም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለምን ዘሎ ምዕፃው መርበብ ሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ህይወትን መሰረታዊ መሰላትን ፅልዋ ከምዘሐድር ንምርዳእ ነዞም ዝስዕቡ ዛንታታት ኣንቢብኹም ኣብ ኢትዮጵያ ንኣንፃር ምዕፃው መርበብ ሓበሬታ እንገብሮ ቓልሲ ክትፅንበሩና ትኽእሉ ኢኹም። ኣስተብህል ፦ ስማት እቶም ወሃብቲ ንድሕነት ተባሂሉ ምምሕያሽ ተገይሩሉ እዩ::

ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ?

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ፀብፃብ ናብ መርበብ ሓበሬታታት ምቁራፅ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት መዓልታዊ መነባብሮ ዘብፅሖ ፅልዋ ኣመልኪቱ እቲ ጉዳይ “ካብ መንግስቲታት፤ ዓለም ለኸ ትካላት፤ ናይ ንግዲ ማሕበረሰብን ሲቪላዊ ናይ ማሕበረሰብ ትካልትን ግቡእ ትኹረት ክወሃቦ ዝግብኦን” እዩ ክብል ይላቦ። ንስኻትኩም እውን ነቲ ፀገም ትኹረት ንኽወሃቦ ኣብ’ዚ ክትሕግዙ ትክእል ኢኹም። ነዞም ዝስዕቡ ተገባራዊ ብምግባር ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ምዃን ትኽእሉ ኢኹም።

  • ነዚ ፅሑፍ ዝተፈላልዩ ሰባት ንኽንብብዎ ብምክፋል ከምኡ እውን ነዚ ናይ ትዊተር ፅሑፍ ብምክፋል ሰባት እቲ ኩነታት ንኽረድእዎ ምግባር።
  • ብምኽያት ምዕፃው መራኸቢታት ካብ ዘጋጥሙ ዘለው ፀገማት ፡ ዛንታታት ኣካፍሉ (ብእንግሊዝኛን ትግርኛን ይርከብ) ። ምስ ምዕፃው መራኸቢታት ዝተተሓሓዙ ዛንታታ ብፅሑፍ ምእካብ ኣብ ኣብያተ ፍርዲን መድረኻት ዓለምን ኣንፃር ምዕፃው መራኸቢታት ኢንተርነት ንምቅላስ ይሕግዝ እዩ።
  • 280 ትካላትን 105 ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዘሳትፍ #KeepItOn ዝተብሃለ ምትሕብባር ተሳታፊ ኹኑ።

Header image: @TghatMedia