internet shutdown #KeepItOn

ድምፅታት ትግራይ፣ ዝቐፀለ ዕፅዋ ኢንተርነት ስድራታት፣ ሕብረተሰብን ስራሕን ይብትን

Read in English

መተሓሳሰቢ: ትሕዝቶ ዝስዕቡ ልጥፋት ገበናት ኲናት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ መቕተልትን ሞትን ዝምልከቱ ከምዝሓውስ ክነዘኻኽር ንደሊ።
ኲናት ትግራይ አብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ካብ ዝፍልም ጀሚሩ ተፃባእቲ ሓይልታት ምቁራፅ ኢንተርነትን ካልኦት መራኸብቲ መስራሓትን ከም መሳርሒ ቁፅፅርን ዓፈናን ገይሮም ተጠቒሞምሉ እዮም። ክልል ትግራይ ንልዕሊ 300 ተኸታተልቲ መዓልታት አብ ፀልማት ትርከብ። ናይ መስመርን ስልክን ኢንተርነት ምስተዓፅወ እዩ።
እቲ አብቲ ኽልል ሙሉእ ዝተነብረ ዕፅዋ ኢንተርነትን ካልኦት መራኸብትን ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ መሰልን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ዕጡቓት አምሓራ ዝተፈፀሙ መጠነ ሰፊሕ ምዕማፅ ደቂ አነስትዮን ካልኦት ፆታዊ ዓመፅን፣ መጠነ ሰፊሕ መቕተልትን አብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበፅሕ በደላትን ንኸይስንዱን ከይቃልሑን ከልኪልዎም እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዕፅዋ ብፍላይ ድማ አብዚ ፈታኒ እዋን ስድራቤታት፣ ሕብረተሰብን ስራሕትን ይብትን አሎ።

ብናይ አክሰስናው መስርሕ ፕሮጀክት ታሪኻት ዕፅዋ አቢሉ ዝተሰብሰበን በቲ ዕፅዋ ብቐጥታ ካብ ዝተፀለዉ ሰባት ዝተረኽቡ ቀጥታዊ ታሪኻት እቲ ዕፅዋ ሰባት ምስ ስድራኦም ንኸይራኸቡ፣ ናብራ ብአግባቡ ንኸይመርሑን ናይ አእምሮ ጥዕነኦም ንኸይሕልዉን ይገብር ከምዘሎ የርእዩ። ትሕት ኢልና ታሪኽ ካብቲ ኲናት ናይ ዝተረፉ ሰባት ነካፍለኩም። ብተወሳኺ #KeepItOn ብዝብል ዝፍለጥ ኢንተርነት ንኸይዕፆ ዝሙግት ዓለምለኻዊ ጎስጓስና ብኸመይ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ሓሳብ ሂብና አለና። ምእንቲ ድሕንነት ክበሃል አብዚ ልጥፍ አበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ንገሊኦም ብመፀውዒ ስሞም ጥራሕ፣ ገለ ድማ ብናይ ብርዒ ስም ዝተፀውዑ እንትኾኑ ናይ ገሊኦም መንነት ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክሽፈን ተገይሩ እዩ።

አብ ትግራይን ክንይኡን ዕፅዋ ንኸይንበር ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ?
ዕፅዋ ኢንተርነት ዘስዕቦ ሰብአዊ ክሳራ ክዕቀን ዝከኣል አይኮነን። እንተኾነ ግን አቱም ግዳያት ዝኾንኩም ታሪኽኩም ብምክፋል ብዛዕባ እናዓበየ ይመፅእ ዘሎ ዓይነት ምዕፋን ድምፂ ዘሎ ርድኢት ንኽዓብን ብኡ አቢሉ ድማ ኢንተርነትን ካልኦት መራኸብትን ኩሉ ግዜ ክፉታት ንኽኾኑ እንገብሮ ቃልሲ አበርክቶ ምግባር ይኽእሉ እዮም። አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት አብ ሂወት ሰብ ዘሰናኽልን ናብ ሓደጋ ዘቃልዕን ከይዲ ምንባር ዕፅዎ እናቐፀልዎ ይርከቡ።
ብመንገዲ #KeepItOn ዝብል ጎስጓስና ሳዕቤን ናይ ዕፅዋ ብምግዋሕን እዚ ፀገም ብኸመይ ምቅላስ ክምዝከአል ሓሳብ ብምሃብን ክሕግዙና ይኽእሉ። ነዚ ንምስላጥ ድማ ቀፂሎም ዘለዉ ስጉምታት ምውሳድ ይከአል፣

ዕፅዋ ኢንተርነት አብ ሂወት ሰባት ዘስዕቦ ልዑል ክሳራ አመልኪቱ አፍልጦ ንምፍጣር እዚ ፅሑፍ #KeepItOn ፣ #InternetShutdown ዝብሉ መለለዪ ስራሕትና ዝኾኑ መግለፅታት ብምጥቃም አብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ምክፋል።

ብቋንቋ ትግርኛ እውን ዝተዳለው ታሪኻት ዕፅዋ ብተመሳሳሊ መንገዲ ጉድአት ንዝበፅሖም ካልኦት ሰባት ብምክፋል ተወሰኽቲ ታሪኻት ንኽንረክብ ምሕጋዝ ይኽእሉ። እዚ ንእንገብሮ ቃልሲ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ታሪኻት አብ አብያተ ፍርድን ካልኦት ዓለም ለኻውያን መድረኻትን ከም መርትዖ ጉድአት ተገይሮም ይውሰዱ’ዮም።

Learn more ተወሳኺ ንምፍላጥ

#KeepItOn ዓለም ለኻዊ ጎስጓስ ኮይኑ አብ መላእ ዓለም ዝርከባ ልዕሊ 240 ማሕበራት ብምስታፍ ዝግበር ዕፅዋ ኢንተርነት ጠጠው ንኽብል ይሰርሕ። ስራሕቱ ድማ አብ መሬት ወሪዱ ውልቀ ሰባት ስራሕቱ ንኽድግፉ ብምልዕዓል፣ ምስ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ ብምርኻብ፣ ቴክኒካዊ ሓገዛት ብምሃብን ሕጋዊ መስርሓት ብምጥቃምን የሳልጥ።